Vi använder Cookies för att ge dig en så bra upplevelse som möjligt.
Borlänge Gymnastikklubb
Gymnastik åt alla!

ኣባል ናይ ቡርለንጌ ኤሮብክስ ክለብ ኩኑ። 

መዝገባ ናብ ዝተፈላለያ ጉጅለታት ድማ ናብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻና ብምስዳድ ይፍጸም። www.borlangegk.se 

ኣብ መጀመርታ ሕጡበ-ጽሑፍ ናይ ኢንተርነት መርበብ ኣድራሻና ፡ እንቛዕ ደሓን መጻእኩም ዝብል ድሕሪ ምምባብኩም ፣ ቀጺሉ ኣብ ታሕቲ ፣ ኣብ’ዚ ክሊክ ግበሩ ዝብል ሊንክ ኣሎ። ድሕሪ ኣብኡ ክሊክ ምግባርኩም ድማ፡ ኣባልነት እትመልእሉ ፎርም ይኽፈት። ድሕሪ ፎርም ምምላእኩም ድማ፡ ብቐጥታ ኣብ ናይ ተጸበይቲ መዝገብ ትምዝገቡ። ክሳብ ክፉት ቦታ ዝርከብ። ካብ 6 ክሳብ 12 ኣዋርሕ ድማ ይወስድ ክሳብ ኩፉት ቦታ ረኽብና ንዕድመኩም። ተራኹም ምስ ዝበጽሕ ድማ መልእኽቲ ብኢመይል ንሰደልኩም። 

ክፍሊት ናይ ኤሮቢክስ / ኣክራባት ድማ ካብ ጉጅለ ናብ ጉጅለ ዝተፈላለየ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ብዝሒ ናይ ልምምድ ሰዓታት/መዓልታት ኣብ ሰሙን ይምርኮስ። ክፍሊት ከኣ ካብ 600 ክሳብ 800 ክሮነር ኣቢሉ ይኸውን። 

ከም ኣባል ናይ ቡርለንጌ ኤሮቢክስ ክለብ መጠን ክፉት ዕድል ናይ ምልምማድ ኣለኩም። ልምምድ ድማ ኣብ Hammargatan  4, på Södra Backa ዝርከብ ምችኣት መለመማዲ ክፍልታትና ተሰላስሉ።   

ኩሎም ዓለምቲ/መማህራና ድማ ናይ ኤሮቢክስ/ኣክራባት ዕሉማት/ምሁራት እዮም። እዚ ድማ ንተማሃሮና፣ ኣገዳሲ ውሕስነት ይፈጥረልኩም። ንነፍሲ-ወከፍ ተማሃራይ ድማ እንታይ ምዃኑ ድሌቱ ብግቡእ ይከታተሉ። 

ንሕና ካብ ኩሎም ተማሃሮን ስድራቤትን ንጽበዮ ሓድሕዳዊ ምክብባር እዩ። 

ተማሃሮ ሰዓታት ናይ ልምምድ ከኽብሩ ፣ ኣወንታውያን ፣ ምስ ካልኦት ተማሃሮ ዝተሓባበሩን ከም’ኡ ውን ንናይ መለማመዲ መሳርሒታት ብግቡእ ክትሕዙ። 

ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ተርሚን፣ ክልተ ካብ ስድራቤት ተማሃሮ ኣብ ምውዕዋዕን መሸጣን ክተሓጋገዙና ዝኽእሉ ንደሊ። 

 

ኢፖስት - borlange.gk@telia.com 

ናይ ኢንተርነት ኣድራሻና-www.borlangegk.se 

ገጽ መጽሓፍ (ፈይስቡክ)- Borlänge Gymnastikklubb